Home እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ጥዕና አእምሮ
ጥዕና አእምሮ እንታይ ምኻኑን ጽልዋ ናቱን ምርዳእ አገዳሲ እዩ። ምክንያቱ ጥዕና ናይ አእምሮ ንጥዕና ብሓፈሻ አገዳሲ እዩ ። ብፍላይ ንናይ ጸገማት አእምሮ ወይ ጽላለ ዝምልከት አይኮነን ፡የግዳስ ነቲ ብድሆታት ናይ ሂወት ንክትገጥሞ ተኽእሎ ምህላው እዩ።
ጥዕና ናይ አእምሮ ክቡርን ከምቲ አካላዊ ጥዕና ብፍሉይ ንጥንቀቀሉ ከምኡ ክንገብረሉ ይግባእ። ጽቡቅ ንክስምዓናን ንኽከናከንን እንታይ ክገብር አለኒ ኢልካ ምሕታት አገዳሲ እዩ ።
ሓዘን፡ ሕማም፡ ቅዛነት፡ ሓይሊ ዘይብልኩም፡ ሃውጺ …ይስምዓኩም ዶ፧ አብ ገለ እዋን ናይ ሂወት ካብ ካልእ ሕልክልክ ዝበለ ክኸውን ይኽእል። ነዞም እዋናት ንክትሰግር፡ ሓገዝ ናይ ካልኦት ክትሓትት ዘገድድ ኩነታት ክኸውን ይኽእል። ነቲ ስጉምቲ ምውሳድ ቀሊል አይኮነን እንተኾነ ግን አገዳሲ እዩ። ሓገዝ ምሕታት ነገራት እንታይ ይከውን አሎ ንክንርዳእ ይሕግዘናን ቀልጢፍካ መፍትሒታት ንክትረክብ ይሕግዝ ።