ክትሕገዝ | PsyHealth

ወልፍታትን /ነገራት ምውሳድ

ሓዘን ክስምዓና ከሎ ፡ ስትረስ ወይ ድካም ፡ ካብቶም ጸገማትና ክንሃድም ንደሊ ::  አድህቦና ባህርና  «  አብ ሓደጋ » ከእተው ዝክእሉ ከም ሽጋራ፡ አልኮላዊ መስተ፡ መድሃኒታት ምውሳድ ፡ ብዙሕ ግዜ አብ ስክሪን ነሕልፎ  ወይ ቁማር ምጽዋት ነሕልፎ ። ወላ ውን ግዝያዊ እፎይታ  እንተ ተሰምዓና ፡ እዞም ልምድታት ንጥዕና አካልን አእምሮ ይጎድእዎ እዮም  ።  እቲ ነገራት ትወስድዎ ወይ ናይ ቀረባ ሰብኩም ምስ ዘሻቅለኩም ፡ ሓገዝ ክትሓቱ አገዳሲ እዩ ።

ልዕሊ ዓቀን  ነገራት ምውሳድ  (አልኮልመድሃኒታት) አሉታዊ ሳዕቤን አብ ልዕሊ ጥዕና  የከትል፡ ማለት ዕንወት  ኣብ  መሰረታዊ  ክፍሊ አካላት፡  ካንሰር:  ሕማም ልቢ ፡ ድክመት ናይ  ጸረ ነብሳት ፡ ጭንቀትን ዓቅሊ ጽበትን ፡ጸገም ናይ አእምሮ ፡ ተነጽሎ  ካብ ማሕበራዊ ሂወት…

አዲክስዮን ስዊስ  አብዚ  ናይ ዝተፈላለያ ዌብሳያትን ቁጽርታትን አኪቡ  አልኮላዊ መስተ ፡ ሽጋራ ወይ ኒኮቲን ዘለዎም ዝተሰርሑ ወይ ቁማርን ናይ ገንዘብ ጸወታ ደገፍን ሓገዝን ክህቡ ዝክእሉ አለዉ።

ብዛዕባ ቆልዑኹም  ተሻቂልኩም ፧ ነዚ ብሮሹክ . ተወከሱ ።

ከመይ ጌርና ክንከላከለሎም ትብሉ እንተ ኮንኩም ፧ ነዚ ፍላየር   ተወከሱ

ናይ ቀረባ ሰብኩም ሕማቅ ልምዲ ዘለዎ ምስ ዝህሉ  ነዚ ብሮሹር ትወከሱ

ጎነጽ አብ ሓዳር

ቁጽሪ 142 – ሓገዝ ግዳያት (24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፣ 7 መዓልታት ኣብ ሰሙን)

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣካላዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ወይ ጾታዊ ጎነጽ ዝወረዶም ኩሎም ሰባት። ኣባላት ስድራ ቤትን ካልኦት ቀረብትን (ዘመድ ወይ ዓርከ-መሓዛ) እውን ደገፍን ምኽርን ክረኽቡ ይኽእሉ። ቁጽሪ 142 ኩሉ ግዜ ክትረኽቦ ይከኣል።

ቁጽሪ ህጽጽ ረዲኤት :

  • 117 : ፖሊስ
  • 144 : አምቡላንስ/ህጽጽ ረዲኤት

መንነትካ ከይነገርካ ዝሰምዑካ ብምስጢር ዝዕቀብን ዒስራን አርባዕተን ሰዓት (24/24h)

  • 143 :  ላ ማ ቶንድዩ
  • 147 :  ምክሪ ንንአሽቱን ቆልዑን

ካልእ ዘድልዩ ንዓኹም  ዝተዳለው : 

ጎነጽ እንተ አትዩ ፡ ክትከላከሉ መሰል አለኩም  (ከምኡውን ነቶም ምሳካትኩም ዘለው ቆልዑ) ካብ ገዛኩም ንምውጻእ ፡ ፖሊስ ምድዋል (117) ወይ  ተረኛ ሓኪም ( ሊስታ ብካንቶን አብዚ).  ሌ ሰንትክ ላቪ ውን ከሰንይኩም ይክእሉ እዮም ።

ሊስታ ናይ ሰብ ሞያ ጥዕና

አብ ከባቢኩም ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ብሉጽ ሓገዝ ክኮኑ ዝክእሉ አለው ፡፡ ጸገም አብ ዘጋጥም እዋን ወይ ጸገም አእምሮ አብ ዘጋጥም ፡ ክቅበሉኩም ይክእሉ ፡ ክሰምዑኩምን ናብ ፍሉያት ሰብ ሞያ ክመርሕኹምን ይኽእሉ ::

  • አብ ስራሕ : ሓኪም ናይ ትካል ፡ ወኪል ሰራሕተኛታት  ወይ ማሕበር ሰራሕተኛታት  ፡
  • አብ ማእከል  ክንክን ጥዕና : ነርስ ፡ መሕረሲት ፡ ሓኪም ፡
  • አብ ቤት ትምህርቲ ፡ ነርስ ናይ ቤት ትምህርቲ ፡ መምህር ወይ ሸምጋሊ (መንጎኛ)፡
  • አብቲ ናይ ገዛውቲ ዘለው መዘናግዒ ፡ መዘናግዒ  ወይ ስራሕ ናይ ሶሻል ዝሰርሑ ።

እዚኦም ኩሎም ክንውከሶም ንክእል ሰባት ኮይኖም ናብቲ ዘድሊ ሓገዝ ክሕብሩና ይኽእሉ እዮም ። ከይተሰከፍኩም ምኽሪ  ክትሓትቱ ትክእሉ ፡ ዘሎ ተክእሎታት ንክሕብርኹም  ስርሖም እዩ ።

አብ መብዛሕትኡ ጉዳይ ፡ እቲ ሓገዝ ናጻ እዩ ወይ ብኢንሹራንስ ናይ መድሕን ጥዕና እዩ ዝክፈል ።  ብሰሪ ክፍሊት ካብቲ አገልግሎት ምሕታት ዓንቃጺ ክከውን የብሉን ።

እንተ ተጠራጢርኩምን ንመን ከም ትሓቱ እንተ ጠፊእኩም ፡ ሓኪም ናይ ስድራቤት ናብቲ ዘድልየኩም ሰብ ክሰደኩም ይክእል እዩ ።

ብተወሳኪ ፡ አብዚ  ዌብሳይት,  ሳይኮሎጂስት አብ ከባቢ ገዛውትኩም ክትረክቡ ይከአል እዩ ።  ሕጽር ዝበለ ሕቶታት ንዓኩም ዘድልየኩምን ቛንቛ ክትዛረብዎ ትደልዩን ክትመልእዎ ትክእሉ ። ነቲ ዝክፈል ናይ ሕክምና ቆጸራ ፡ እቶም ዝተፈላለዩ  ሰብ ሞያ ሓበሬታ ብዛዕባ ክፍሊት አብቲ ናቶም አድራሽኦም ዝሓዘ ተጠቂሱ አሎ ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምልከት ሓበሬታ ተክእሎታት ዘሎ  ምሕታት አገዳሲ እዩ ።

ቁጽሪታት ናይ ህጹጽ ረዲኤታት

አብ ናይ ዝለዓለ ጉድአት እዋን ፡ ሓደ ሰብ ንባዕሉ አብ ሓደጋ እንተ አትዩ ወይ ንካልእ ሰብ እቲ ኩነታት ህጹጽ ምስ ዝከውን ። ናብ 144 ወይ  ህጽጽ ረዲኤት ናይ ስነ አእምሮ አብ ካንቶንኩም ዘሎ ተሌፎን ትድውል ።  ዝኮነ ዘጠራጥረኩም ምስ ዝህሉ ወይ ዘስግአኩም ነገር ምስ ዝህሉ ወይ ርእስኩም ትስሕቱ ዘለኩም  ኮይኑ እንተ ተሰሚዕኩም ከይተ ሰከፍኩም ናብ ህጽጽ ረዲኤት ደውሉ።

  • ፍሪቡርግ : 0263080808
  • ጀነቭ : 0223723862
  • ጁራ : 144
  • ኒውሻተል : 0327551515
  • ቮ : 0848133133
  • ቫለ : 0800012210
  • ቴሳ : 144

እቲ ሓደጋ አዝዩ  ምስ ዝዓቢ ፡ 117 ናብ ፖሊስ ክትድውሉ ትክእሉ ኢኩም ።

ነፍስካ ናይ ምጥፋእ ሓሳባት

ነፍስካ ናይ ምጥፋእ ሓሳብ እንተ አሎ ፡  ምዝራብን ሓገዝ ምሕታትን  እቲ አገዳሲ ነገር እዩ ።

ቁጽርታት ህጽጽ ረዲኤት ፡

  • 143 : ንእኩላት ሰባት፡ ብናጻ፡መንነትካ አይግለጽን፡ ብምስጢር ይትሓዝ ብቴሌፎን እንግሊዘኛ የዘራርቡ ፡ 0800 143 000
  • 147 : ፕሮ ጁቨንቱት (መንእሰያት)
  • 144 : ህጹጽ ረዲኤት ናይ ሆስፒታላት