ግብሪ | PsyHealth

ጽቡቅ ንክስምዓኒ እንታይ ክገብር አለኒ ፧

እንሆ 10 መምርሒታት  ጽቡቅ ንክስምዓካ ዝሕግዙ ፡

  1. ምዝራብ : ዝስምዓካ ፡ ጸገማትካ ፡ምስ ስድራካ ዘሕለፍካዮ ሂወት፡ምስ ቤተ ሰብካ ወይ ማሕበረ ሰብካ ነቲ ጸቅጢ ምፍኳስን ሓድሽ አማራጺ ንክህልወካ ወይ ፍታሕ ምርካብ ። ምዝርራብን ብቋንቋ አዴካ ኢሂን ምሂን ምብህሃልን ጽቡቅ ንክስምዓካ ይገብር።
  2. ምስታፍ/ተወፋይነት : አብ ማሕበረ ሰብካ ፡ አብቲ መአከቢ ናይ ገዛውትካ ፡ ኮርስ ናይ ቋንቋ/ ሳዕስዒት / ደርፊ/ ስፖርት/ ወዘተ… ፡ ዊንታካ ዘገድሱካ ነገራት ስግአታትካ ወይ ተስፋ አብ ልብካ ዝሓዝካዮ ፡ ብፍላይ ፕሮጀክት ናይ ማሕበረ ሰብካ ምክፋል ወዘተ…
  3. ዘይምግዳፍ/ሓርጎጽጎጽ ናይ ሂወት ምስጋር ፡  ሓርጎጽጎጽ ናይ ሂወት ክትመርሕ ግዜ መፍትሕ እዩ [ ስምባድ፡ ጓሂ፡ ካብ ብርቱዕ ስምባደ ዝመጽእ  በሰላ ] ፡ ናብቶም አገደስቲ ንጥፈታት ምትኳርን  ንነብስካን ንካልኦትን ግዜ ምሃብ።  ንኣብነት ስርዓት አሰራርሓ  ናይ ምምሕዳር ቀሊል አይኮነን::
  4. ንነብስካ ከምታ ዘላታ ምቅባል ፡ አካልካ ምፍላጥን ምልክታት ምፍላጥን ጽቡቅ ንክስምዓካ ውሳነ ምውሳድ፡ ደረትካ ምሕንጻጽ፡ ብርቱዕን ድኹምን ጎንታትካ  ምፍላጥን ምቅባልን
  5. ጠራዊ  ንጥፈታት ምግባር ፡ ድሌታትካ ፡ ፍርህታትካ ወይ ካልእ ክትገልጾም ዝከብዱ ሓሳባት ንምውጻእ ፡ ካብ ወጥርታትካ ምውጻእ ፡ ምዝንጋዕን ሓይልካ ምሕዳስን ። ደስ ዘብሉካ ንጥፈታት ምግባር ፡ አብ መበቆል ዓድካ ንጥፈታት ትገብር ኔርካ እንተ ኮንካ ፡ ንዓካ ቦታ ክህልወካ ምድህስስን ክትፈጥርን ምግባር ።
  6. ምዝናይ ፡ ህድአት ይስምዓካን ነፍስካ ፍትሕ ይብልን ንነገራት ምስ ሰባት ምዃን ድማ አጸቢቅካ ተስተማቅሮም : ሓሰብና ውሳኔታትና ንውስን ። ምስ ነብስካ ግዜ ትወስድ ፡ ብዘይ ደቅካን ንጥፈታት ምግባር ካብ ሓላፍነት ናይ ሂወት ተልግስን ሓይልካ ይሕደስን ።
  7. ሓደሽቲ ነገራት ምምሃር ፡  ካብ መዓልታዊ ሂወትካ ምውጻእ ፡ ርእሰ ተአማንነትካ ይድልድልን ሓሳባትካ ተማዕብል። ቛንቛ ምስ ትክእል  ናጽነት አሎካን ርእስካ ትክእልን ከም ናትካ ድሕረ ባይታ  ዘለዎም ሰባት ትላለን ርክብ ትፈጥርን ። ሓደሽቲ ነገራት ምምሃር የነቃቅሓካን የኽብረካን ምዕባለ ዘምጻእካ ኮይኑ ይስምዓካን ።
  8. ንጡ ምዃን ፡ ሓንጎልካ ምሕዳስ ፡ ወጥሪ ምጉዳል ካብ ዘጨንቅ ስርዓት ሂወት ምውጻእ ። እንተ ወሓደ  መዓልታዊ  ን30 ደቂቅ ዝከውን ንጥፈታት ወይ 2 ሰዓትን ፈረቋን አብ ሰሙን ምዝውታር ።
  9. ርክብ ምስ አዕሩ መሓዙት ምቅጻል ፡ መዓልታዊ ካብ ገዛኻ ምውጻእ ሓድሽ ርክባት ምምስራት ። ዝርርብ ምስ አዕሩኽትኻ ምህላው ደገፍን ሰማዒት እዝኒ ትረክብን ብሉጽ ሰብ ንክትከውን ይሕግዘካ ፡ ፍታሕ ክትረክብን ክፍተትን ዕድላትን ይህልወካ።
  10. ሓገዝ ምሕታት ፡ ሓገዝ ዘይብልካ ከይትከውን ምእንቲ ፡ ዓቅምካን ገደብካን ምፍላጥ ጽብቅ እዩ ። ንአብነት አብ ገለ ዘይንጹር መስርሓት ክፍትሑ ምእንቲ ደገፍን ሓገዝ ምሕታት ፡ [ ንአብነት ሓገዝ አብ መንጎ ወለዲን ቀረብትካን] ።  ዕንቅፋት ናይ ሂወት ከጋጥም ከሎ ሓገዝ ምሕታት ምልክት ድኽመት ማለት አይኮነን ፡ ምክንያቱ ነዚ ክትገብር አዝዩ ትብዓት ዘድሊ ስለ ዝኮነ ።
    ተወሳኪ ፡: ንጹህ መግቢ ምምጋብን ህዱእ ሃዋህው ምህላው ፡ ብዘይ ስክሪንን ብዘይ ስትረስን ። መግቢ ጽቡቅ ኩነታት ንክህሉ ተዋጽኦ አለዎ ።

አገዳስነት ናይ ማሕበረ ሰብ

አብ ገለ መዳያት ናይ ሂወት ከም አብ ሓድሽ ሃገር ክትአቱ ከለካ ወይ ሓድሽ ባህሊ ክትፈልጥ ከለካ ፡ በይንካ ፡ ዝተገለልካን አብ  ገለ እዋን አንፈትካ ዘጥፋእካ ኮይኑ ክስምዓካ ከሎ ። ነዞም እዋናት ንክትሰግሮም ፡ እቲ ማሕበረ ሰብ ብሉጽ ደገፍ እዩ ፡ ቋንቋ አዴኻ ክትዛረብ ትክእል ፡ ሓበሬታ ትለዋወጥን ወይ ነቲ መስርሕ ናይ ወረቓቕቲ ዘቕልሉ ምኽርታት ትረክብ ወይ ብሓፈሻ አብ ናይ ምውህሃድ አብ ናይ ማሕበራዊ ሂወት ። ምስ ካልኦት ከም ናትና ተመሳሳሊ ዛንታ ዘለዎም ሰባት ተሞክሮና ክንካፈል ይሕግዘና ። እቶም ናይ ማሕበረ ሰብ መደባት መራከብን መላለይን አጋጣሚታት ደስ ዘብል እዋናት ነሕልፍን ካብቲ ናይ መዓልታዊ ሂወትን ወጥርታት መህደሚ ይኸውን ። ከምኡውን ፡ እቲ ማሕበረ ሰብ   ነቶም ዘጋጥሙና ከበድቲ መሰናክላት ሂወት ክንገጥሞምን ጽቡቅ ንክስምዓናን አገዳሲ ሃብቲ ይከውን ።

ይኩን እምበር ፡ እታ ማሕበረ ሰብ እንኮ ደገፍ ክትከውን የብላን ። ነቶም ካልኦት ትነብረሉ ሕብረተ ሰብ ክፉት ክትከውን አገዳሲ እዩ ፡ ሓደሽቲ ሰባት ምልላይን ምዝርራብን ፡ ንአብነት ምስ ጎረባብትካ ። እዚ ምቅርራብ ንተነጽሎ የጉድሎን ጽቡቅ ንክስምዓካ ይሕግዝ ።

ሓጋዚ ማተርያላት ንመዓልታዊ ሂወት

አብዚ አገደስቲ መዳያት ንመዓልታዊ መነባብሮ ዝምልከት ሓበሬታት ዝጠርነፈ እዩ [ ጥዕና ፡ ውሕስነት ፡ ሶሻል ፡ ቤት ትምህርቲን ኮርሳት ፡ ወዘተ…] ።

እዛ ፍላየር   ሕመረት ናይ ዝተፈላለየ ገጻት መስርሕ ጥዕና  ናይ ስዊዝ ዝሓዘት እያ ።

መተግበሪ Sui SRK፥ ኣብ ጉዳያት መዓልታዊ ህይወት፡ ንርእሰ-ክንክን ዘድሊ ሓገዛት ዘተኮረ ሓበሬታን ደገፍ ምስ ዝህበኩም ክኢላ እትራኸብሉ ናይ ዝርርብ (ቻት) ኣገልግሎትን ዘለዎ ናጻ መተግበሪ

ሓገዛትን ደገፍቲ ማሕበራትን አብ ስዊስ

ብዙሓት ሓገዝቲ ማሕበራት አለዋ ፡

  • ካሪታስ ስዊስ
  • ቀይሕ መስቀል ስዊስ
  • PM+፥ መዓልታዊ ንዘጋጥም ብድሆታትን ስነልቦናዊ ጸቕጥን ብኸመይ ከምዚጋፈጡ ዚምሃርሉ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝተዳለወ ውልቃዊ መደባት።
  • ሰንትኽ ሶሻል ፕሮቴስታን  (CSP)
  • ኦርጋኒዛስዮን  ስዊስ ድኤድ  ኦ ረፉጅ  (OSAR)
  • ጒጅለታት ደገፍ፡ እቶም ብተመሳሳሊ ኲነታት ዝተጸልዉ ሰባት ተሞክሮታቶም ንኸካፍሉን (ከም ምእላይ ቈልዑ፡ ጥዕና፡ ፍትሕ፡ ጸቕጢ፡ ወልፍን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ዝኣመሰለ ኣርእስታት) ኣመልኪቶም ንሓድሕዶም ንኽተሓጋገዙን ብሕብረት ከምዚሰርሑ ዚገብራ እየን። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ጒጅለ ዚምልከት ሓበሬታ ንኽትረኽቡ ኣብዚ ጠውቑ።
  • Femmes-Tische/Hommes-Tische፥ ደቀተባዕትዮን ደቀኣንስትዮን ብዛዕባ ስድራቤት፡ ጥዕናን ኣብ ንኡስ ጒጅለታት ብመበቆል ቛንቋ ዝግበር ምምሕባርን ኣመልኪትኩም ኪዘራረብሉ ዚኽእልሉ ኣኼባታት እዩ። እዚ ኣኼባታት’ዚ፡ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዚካየድ እዩ።

ንናይ ሕጊ ዝምልከት ሓገዛት  :

ሓጹር ናይ ቛንቛ

  • ምስ ሕጽረት ቋንቋ ነቶም ማሕበራት ምርካብ ወይ ምድላው ክኸብድ ይኽእል እዩ ። እዘን ማሕበራት  [ካሪታስቀይሕ መስቀልን et OSAR ንአብነት ።] ክሕግዛን ብቛንቛ አዴኩም ንክትዛረቡ ተርጎምቲ ከዳልዋ ይክእላ እየን ።
  • አገልግሎት ተርጎምቲ ዝህባ  አብ መርበብ ሓበሬታ አብዚ ሊስታ ትረክብወን www.inter-pret.ch ተርጎምቲ ቛንቛኩም ዝዛረቡ ። አብ ቆጸራ ናይ ምምሕዳር፡ ሕክምና ወይ ናይ ሕጊ  ከሰንይኩም ይክእሉ ።
  • አቶም ናይቲ ከባቢ ሕብረተ ሰብ ደገፍ ከቅርቡ ንአብነት  ንናይ መስርሕ ምምሕዳር ወይ ምስ ሓካይም ቆጸራ ንክወስዱ  ይክእሉ ።
  • ንክትዘራረቡ ብነጻ ዝትርጉም አፕሊኬሽን ውን አለው ፡
    • Tarjimly – Refugee Translation
    • Refugee Phrase Book [አብ መዓልታዊ ሂወት ንጥቀመሎም አገደስቲ ሓሳባት ካብ 50 ቛንቛ ንላዕሊ]
    • Refugeye ንፒክቶ ግራም[ ቛንቛ ናይ ጸማማት]  ንምትርጓም ምዝርራብን የቃልልን
    • አብ ተሌፎንካ ትጽዕኖ ናጻ  አፕሊኬሽናት አብቲ ዘለካዮ ካንቶን ዝዝረብ ቛንቛ መምሃሪ አለው ፡ Duolingo, Babbel, MemRise, HelloTalk, ወዘተ…። 

ማሕበራትን ብካንቶን ዝተዳለወ

ፍሪቡርግ

ጀነቭ

ጁራ

ኒውሻተል

ቴሳን

  • Agence Derman SOS Ticino፥ ጸገማት ምብህሃል ከምኡውን ኣብ ቛንቋ ወይ ባህሊ ንዘሎ ዘይምርድዳእ ኣብ ምፍታሕ ዚሕግዝ ሕብረ-ባህላዊ ኣገልግሎታት ምስትርጓም
  • Antenna MayDay፥ ኣብ ማሕበራውን ጥዕናውን ኣገልግሎታት ከምኡውን ኣብ ተበግሶታት ጐስጓስ ጥዕና ዜተኮረ ናጻን ምስጢራውን ምኽሪ
  • Aide au retour፥ ብዛዕባ’ቶም ካብ ስዊዘርላንድ ብወለንታኦም ኪወጹ ዝደልዩ ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ መበቆል ሃገሮም ዳግመ-ምጥያስ ንዝገብሩ ሰባትን ዚውሃብ ደገፍ ዚምልከት ሓበሬታ
  • ማሕበር “Il Tragitto”፥ ብፍሉይ ኣብ ምጥያስ ኣተኲሮ ዝገበረ ንስድራቤታትን ቆልዑን ዚውሃብ ምሉእ ንጥፈታት ምምሕባር፡ ስልጠናን ደገፍን። እዚ ድማ ኣብ ሉጋኖ (Lugano) ከምኡውን ኣብ ሎካርኖ (Locarno) ምርኲስ ዝገበረ እዩ።
  • Casa Astra፥ ኣብ መንድሪስዮ (Mendrisio) ዘሎ ህጹጽ ማእከል መቐበሊ
  • Casa Marta፥ ኣብ በሊንዞና (Bellinzona) ዘሎ ህጹጽ ማእከል መቐበሊ
  • Centro Calicantus፥ ኣብ ቺኣሶ (Chiasso) ዘሎ ማእከል ምምሕባርን ንሕብረተሰብ ስደተኛታት ዚውሃብ ኣገልግሎት ውከሳን
  • ኣብ ቲሲኖ (Ticino) ዚርከብ ማእከላት ምምሕባር፥ ቆልዑን ስድራቤታትን ብሓባር መጺኦም ተሞክሮታቶም ንኼካፍሉ ዘድልዮም ንጥፈታት፡ ጸወታታትን ዕድላትን ዚህብ ማእከላት
  • ተራድኦ “Baobab”፥ ቤት ንባብ ሕብረ-ቛንቋውን ሓድሕዳዊ ባህልን ዜርኢ፣ ንቖልዑን ስድራቤታትን ዚኸውን ኣኼባታት ዚውድብ፣ ከምኡውን ካብ 12 ክሳዕ 20 ዓመት ንዝዕድሚኦም ንኣሽቱ መንእሰያት ዚኸውን ናይ ጐደና ማሕበረ-ትምህርታዊ ንጥፈታት ዜዳሉ ኣብ በሊንዞና (Bellinzona) ዚርከብ ማእከል ምምሕባር
  • ማእከል መወከሲ OSC (0848 062 062)፥ ኣገልግሎታት ትካል ማሕበረ-ስነኣእምሮ ኣውራጃ ንኺረኽቡ ምግባር፣ ስሉጥ ደገፍ ምርግጋጽ፣ ከምኡውን ብOSC ብዛዕባ ዚውሃብ ስነኣእምሮኣዊ ጥዕና ዚምልከት ሓበሬታ ምሃብ
  • ማእከል ምክልኻል ኣድልዎ፥ ነቶም ብሰንኪ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ጾታ ወይ ጾታዊ ኣቓውማ ኣድልዎ ዜጋጥሞም ውልቀሰባት ዚውሃብ ናጻን ምስጢራውን ደገፍን ምኽርን
  • ሕጋዊ ኣገልግሎት SOS Ticino፥ ኣብ ጒዳያት ፍቓድ መንበሪ ዜተኮረ ሕጋዊ ምኽርን ውክልናን ምሃብ
  • ማሕበራዊ ኣገልግሎት Caritas Ticino፥ ምኽሪ፡ ፋይናንሳዊ ምሕደራ፡ ምሕደራዊ ደገፍ፡ ስነኣእምሮኣዊ ፍወሳ፡ ደገፍ ስድራቤት ከምኡውን ምክልኻልን ኣተሓሕዛን ዕዳ

ቫለ

ቮ 

ሓፈሻዊ ጠቃሚ ሓበሬታታት

  • ቀይሕ መስቀል ስዊስ :  መዓልታዊ ሓገዝ
  • Migesplus.ch፥ ብዛዕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘሎ ኲነታት ጥዕናን ህይወትን ዚምልከት ግብራዊ ሓበሬታ ብዝተፈላለየ ቑንቋታት ዚህብ መድረኽ ቀይሕ መስቀል ስዊዘርላንድ
  • ብሮሹር ሓበሬታ ንስደተኛታትን ነቶም ግዝያዊ መንበሪ ዘለዎም ሰባት
  • ሓበሬታ ቪድዮ  መዓልታዊ  ሂወት አብ ስዊስ ( ምርጫ አብ ታሕቲ ጽሕፈት ዘለዎ)
  • ላ ፓጅ ፊድ  ምጥርናፍ  ትምህርቲ ናይ ዝተፈላለየ ቛንቛታት ወግዓዊ ወረቀት ዘለዎ

ካብ ብርቱዕ ስምባድ ዝመጽእ በሰላ

  • እዚ ቪድዮ   አብ መዓልታዊ ሂወት ጽልዋ ካብ ብርቱዕ ስምባድ ዝመጸእ በሰላ ንምውጋድ ምኽሪ ይህብ ።
  • ሓገዝ መምርሒ  ንነበርቲ ስደተኛታት ብዝተፈላለየ  ቛንቛ ካብ ብርቱዕ ስምባድ ዝመጸእ በሰላ ዝሓለፈ ተመኩሮ ንምስጋር ።