ሊስታ ናይ ሰብ ሞያ ጥዕና

አብ ከባቢኩም ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ብሉጽ ሓገዝ ክኮኑ ዝክእሉ አለው ፡፡ ጸገም አብ ዘጋጥም እዋን ወይ ጸገም አእምሮ አብ ዘጋጥም ፡ ክቅበሉኩም ይክእሉ ፡ ክሰምዑኩምን ናብ ፍሉያት ሰብ ሞያ ክመርሕኹምን ይኽእሉ ::

  • አብ ስራሕ : ሓኪም ናይ ትካል ፡ ወኪል ሰራሕተኛታት  ወይ ማሕበር ሰራሕተኛታት  ፡
  • አብ ማእከል  ክንክን ጥዕና : ነርስ ፡ መሕረሲት ፡ ሓኪም ፡
  • አብ ቤት ትምህርቲ ፡ ነርስ ናይ ቤት ትምህርቲ ፡ መምህር ወይ ሸምጋሊ (መንጎኛ)፡
  • አብቲ ናይ ገዛውቲ ዘለው መዘናግዒ ፡ መዘናግዒ  ወይ ስራሕ ናይ ሶሻል ዝሰርሑ ።

እዚኦም ኩሎም ክንውከሶም ንክእል ሰባት ኮይኖም ናብቲ ዘድሊ ሓገዝ ክሕብሩና ይኽእሉ እዮም ። ከይተሰከፍኩም ምኽሪ  ክትሓትቱ ትክእሉ ፡ ዘሎ ተክእሎታት ንክሕብርኹም  ስርሖም እዩ ።

አብ መብዛሕትኡ ጉዳይ ፡ እቲ ሓገዝ ናጻ እዩ ወይ ብኢንሹራንስ ናይ መድሕን ጥዕና እዩ ዝክፈል ።  ብሰሪ ክፍሊት ካብቲ አገልግሎት ምሕታት ዓንቃጺ ክከውን የብሉን ።

እንተ ተጠራጢርኩምን ንመን ከም ትሓቱ እንተ ጠፊእኩም ፡ ሓኪም ናይ ስድራቤት ናብቲ ዘድልየኩም ሰብ ክሰደኩም ይክእል እዩ ።

ብተወሳኪ ፡ አብዚ  ዌብሳይት,  ሳይኮሎጂስት አብ ከባቢ ገዛውትኩም ክትረክቡ ይከአል እዩ ።  ሕጽር ዝበለ ሕቶታት ንዓኩም ዘድልየኩምን ቛንቛ ክትዛረብዎ ትደልዩን ክትመልእዎ ትክእሉ ። ነቲ ዝክፈል ናይ ሕክምና ቆጸራ ፡ እቶም ዝተፈላለዩ  ሰብ ሞያ ሓበሬታ ብዛዕባ ክፍሊት አብቲ ናቶም አድራሽኦም ዝሓዘ ተጠቂሱ አሎ ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምልከት ሓበሬታ ተክእሎታት ዘሎ  ምሕታት አገዳሲ እዩ ።

ቁጽሪታት ናይ ህጹጽ ረዲኤታት

አብ ናይ ዝለዓለ ጉድአት እዋን ፡ ሓደ ሰብ ንባዕሉ አብ ሓደጋ እንተ አትዩ ወይ ንካልእ ሰብ እቲ ኩነታት ህጹጽ ምስ ዝከውን ። ናብ 144 ወይ  ህጽጽ ረዲኤት ናይ ስነ አእምሮ አብ ካንቶንኩም ዘሎ ተሌፎን ትድውል ።  ዝኮነ ዘጠራጥረኩም ምስ ዝህሉ ወይ ዘስግአኩም ነገር ምስ ዝህሉ ወይ ርእስኩም ትስሕቱ ዘለኩም  ኮይኑ እንተ ተሰሚዕኩም ከይተ ሰከፍኩም ናብ ህጽጽ ረዲኤት ደውሉ።

  • ፍሪቡርግ : 0263080808
  • ጀነቭ : 0223723862
  • ጁራ : 144
  • ኒውሻተል : 0327551515
  • ቮ : 0848133133
  • ቫለ : 0800012210
  • ቴሳ : 144

እቲ ሓደጋ አዝዩ  ምስ ዝዓቢ ፡ 117 ናብ ፖሊስ ክትድውሉ ትክእሉ ኢኩም ።

ወልፍታትን /ነገራት ምውሳድ

ሓዘን ክስምዓና ከሎ ፡ ስትረስ ወይ ድካም ፡ ካብቶም ጸገማትና ክንሃድም ንደሊ ::  አድህቦና ባህርና  «  አብ ሓደጋ » ከእተው ዝክእሉ ከም ሽጋራ፡ አልኮላዊ መስተ፡ መድሃኒታት ምውሳድ ፡ ብዙሕ ግዜ አብ ስክሪን ነሕልፎ  ወይ ቁማር ምጽዋት ነሕልፎ ። ወላ ውን ግዝያዊ እፎይታ  እንተ ተሰምዓና ፡ እዞም ልምድታት ንጥዕና አካልን አእምሮ ይጎድእዎ እዮም  ።  እቲ ነገራት ትወስድዎ ወይ ናይ ቀረባ ሰብኩም ምስ ዘሻቅለኩም ፡ ሓገዝ ክትሓቱ አገዳሲ እዩ ።

ልዕሊ ዓቀን  ነገራት ምውሳድ  (አልኮልመድሃኒታት) አሉታዊ ሳዕቤን አብ ልዕሊ ጥዕና  የከትል፡ ማለት ዕንወት  ኣብ  መሰረታዊ  ክፍሊ አካላት፡  ካንሰር:  ሕማም ልቢ ፡ ድክመት ናይ  ጸረ ነብሳት ፡ ጭንቀትን ዓቅሊ ጽበትን ፡ጸገም ናይ አእምሮ ፡ ተነጽሎ  ካብ ማሕበራዊ ሂወት…

አዲክስዮን ስዊስ  አብዚ  ናይ ዝተፈላለያ ዌብሳያትን ቁጽርታትን አኪቡ  አልኮላዊ መስተ ፡ ሽጋራ ወይ ኒኮቲን ዘለዎም ዝተሰርሑ ወይ ቁማርን ናይ ገንዘብ ጸወታ ደገፍን ሓገዝን ክህቡ ዝክእሉ አለዉ።

ብዛዕባ ቆልዑኹም  ተሻቂልኩም ፧ ነዚ ብሮሹክ . ተወከሱ ።

ከመይ ጌርና ክንከላከለሎም ትብሉ እንተ ኮንኩም ፧ ነዚ ፍላየር   ተወከሱ

ናይ ቀረባ ሰብኩም ሕማቅ ልምዲ ዘለዎ ምስ ዝህሉ  ነዚ ብሮሹር ትወከሱ

ስክሪንን /ኢንተርነትን

ገለ ገለ ንወለዲ ከነስተውዕል ዝገብሩና ምልክታት :- መጠኑ ዝሓለፈ ስክሪን ደቅና  ክርእዩ ምስ ዝጅምሩ ፡

  • ኮምፒተር ወይ ኮንሶል መጻወቲት ንመዘናግዒ [ንአብነት ብዘይ ናይ ትምህርቲ ዕዮ ዝሰርሑሉ]ንነዊሕ ሰዓታት አብ መዓልቲ ተወሊዖም ምስ ዝውዕሉ።
  • እቲ ቆልዓ መሓዙቱ/ አዕሩክቱ ምስ ዘይረክቦም ወይ መሓዙት / አዕሩኽ  ዘይብሉ ምስ ዝከውን : ተገዳስነት አብ ንጥፈታት ወይ ዝፈትዎ ነገር ዘይብሉ ምስ ዝከውን ።
  • ቀጻሊ ውጽኢት ትምህርቲ ወይ ናይ  ናይ ሞያ ትምህርቲ ምስ ዝጎድል።
  • እቲ ቆልዓ ሸለልትነት ምስ ዘማዕብልን  ሸውሃቱ ምስ ዝዕጾን : መዓልታዊ ድካም ምስ ዝህልዎ።
  • እቲ ቆልዓ ኮምፒተ ምስ ተኸልከለ ጎነጸኛ ወይ ጭኑቅ ምስ ዝኸውን :

ጎነጽ አብ ሓዳር

ቁጽሪ ህጽጽ ረዲኤት :

  • 117 : ፖሊስ
  • 144 : አምቡላንስ/ህጽጽ ረዲኤት

መንነትካ ከይነገርካ ዝሰምዑካ ብምስጢር ዝዕቀብን ዒስራን አርባዕተን ሰዓት (24/24h)

  • 143 :  ላ ማ ቶንድዩ
  • 147 :  ምክሪ ንንአሽቱን ቆልዑን

ካልእ ዘድልዩ ንዓኹም  ዝተዳለው : 

ጎነጽ እንተ አትዩ ፡ ክትከላከሉ መሰል አለኩም  (ከምኡውን ነቶም ምሳካትኩም ዘለው ቆልዑ) ካብ ገዛኩም ንምውጻእ ፡ ፖሊስ ምድዋል (117) ወይ  ተረኛ ሓኪም ( ሊስታ ብካንቶን አብዚ).  ሌ ሰንትክ ላቪ ውን ከሰንይኩም ይክእሉ እዮም ።

ስትረስ

መጽናዕትታት ከም ዘመልክቶ አካልና ሆርሞን ዘፍርየሉ  4 ኩነታት አሎ እዋናት ፡

  • ኩነታት ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ ኮይኑ ክስምዓካ ከሎ
  • ዘይተጸበካዮ ኩነታት ከጋጥም ከሎ
  • ሓድሽ ነገር ከጋጥም ከሎ
  • ነቲ አነነትካ አብ ዘስግእ ኩነታት ክአቱ ከሎ

ስትረስ ንክጎድል ፡ንቡር ነገር እዩ ብዛዕባ ምንጪ ስትረስ ኩነታት ምሕሳብን ነቲ ኩነታት ንክትአልዮ ክትልውጦ አብ ልዕሊ እቲ ኩነታት  ድማ ብዝተካእለና መጠን ክንፍትሽ አገዳሲ እዩ ። ንአብነት ክእለታትናን አነነትናን ከቢድ ኩነታት ምስ ዘጋጥም ከምዚ   እቶም ካልኦት ሰባት በቲ ዘለና ክእለት ዝጠራጠሩ ኮይኑ ክስምዓና ከሎ ፡ ስለዚ አብ ርእስና ዘሎና ርእሰ ተአማንንነትን ከነዕብዮ ይከአል እዩ ፡ አብቲ ዘለካ ክእለት ምእማን አብ ልዕሌካ ዘሎ እርእይቶ ብቀጻሊ ካብ ምጥርጣር ትድሕን።  ብሓደ አፊቱ አብ ልእሊ ስትረስ ከስዕብ ዝክእል ኩነታት ከምዚ ምግባር ፡ ነቲ አብ ቀጻሊ ዝመጽእ ደስ ዘየብል ሕማቅ ስምዒታት ከነጉድሎ ንክእል።    

አብ ስትረስ ዘለዎ እዋን ፡ ካልኦት ክጠቅሙ ዝክእሉ ነገራት አብዚ ትረክብዎም

እትፈላለዩ ካልኦት ንስትረስ ክጎድል ዝሕግዙ : ሓይልኻ ዘሐድሱን ንኸተማዕብሎምን ንኸተተግብሮምን ዝሕግዙ መሳርሒታት እውን ኣለዉ ::

  • ሕጂን አብ ህልውን ኩነታት ምትዃር ፡ ህዱእ ምሕቋፍ፡ ደልዲልካ ደው ምባል፡ ባዕሎም ዝመጽ ሓሳባትካ አብ ናይ ፈጠራ  ሳጹን ምጥርናፍ ነፍስካ ፍትሕ ንክብል ውጥሪ ንክፏኮስ  ዓቅምና ዝተወድኤ ወይ አብ ሽግር ከም ዝአተና ኮይነ ክስምዓና ከሎ አብ ህልው ሂወት ንክትነብርን  ዝሕግዙ መገድታት እዮም።
  • ዓሚቝ ናይ ምትንፋስ ንጥፈታት ምግባርን አብ መዓልቲ ምዱብ ግዜ ፈሊካ ነቶም ጸገማትካ ምእላይ (ካብ ምሉእ  መዓልቲ ዝወስደልካ)  ውሽጣዊ ምርባሽን ምንጽርጻር አብ ዝስምዓካ እዋን እዚአቶም ነቶም ዘጋጠሙና  አብ ትሕቲ ቁጽጽር ከነእትዎም ክንደሊ ከለና ንጥቀመሎም ሜላታት እዮም ::
  • ናይ ምትንፋስ ንጥፈታት ምግባር  አወንታዊ ነገራት ምሕሳብ ንክንሃድእን ግቡእ ውሳነታት ንክንውስን  ዝሕግዙ መገድታት እዮም
  • ንነገራት ከም ዘለዎም ናይ ምቅባል ክእለትና ንምምዕባል ውሽጣዊ ጸጋታትካ ምድልዳል፡ ብዝተካእለ መጠን ዓቅምካ ምሕሳብ ፡ ሕያዎትን ተደናገጽትን ክትኮኑ ነማክረኩም ። ነቲ  ጽቡቕ ንኽስማዓና ዝገብሩና ውሽጣዊ ዓቕምታትና ምዝርዛር

ነፍስካ ናይ ምጥፋእ ሓሳባት

ነፍስካ ናይ ምጥፋእ ሓሳብ እንተ አሎ ፡  ምዝራብን ሓገዝ ምሕታትን  እቲ አገዳሲ ነገር እዩ ።

ቁጽርታት ህጽጽ ረዲኤት ፡

  • 143 : ንእኩላት ሰባት፡ ብናጻ፡መንነትካ አይግለጽን፡ ብምስጢር ይትሓዝ ብቴሌፎን እንግሊዘኛ የዘራርቡ ፡ 0800 143 000
  • 147 : ፕሮ ጁቨንቱት (መንእሰያት)
  • 144 : ህጹጽ ረዲኤት ናይ ሆስፒታላት