ጥዕና ናይ አእምሮ እንታይ እዩ ፧
ጥዕና ናይ አእምሮ ጥጡሕ ድሕነት ይስምዓካ ንነፍሲ ወከፍ ዘጋጥም ጸገማትን ዕንቅፋት ናይ ሂወት ንክንብድሆምን ንመጻኢ መገዲ ሂወት አቀዲምና አብ ግምት አእቲና ጉዕዞና ንክንቅጽል የክእለና። ከምኡ ውን ንኩሉ ሰብ ዝምልከት እዩ፡ ዋላ ውን ብዓይኒ ዘይርኤ እንተኮነ። ምክንካኑ አብ መዓልታዊ ሂወትና ነቲ ጸገማት ንክንፈትሖምን ንአብነት ሕማም ከይወርደና ይከላከለልና።
አብ ርእስካ ጽቡቅ ክስምዓካ፡ ምስ ውሽጥካን ከባቢካ ብሕብረት ምስጓምን ማለት እዩ ። [ ንአብነት ከም ስድራ ቤትን አዝማድን]። ምዕሩይ ሂወት አብቲ ንዓና ደስታ ዝህቡናን ንኽንነብር ዘድልዩናን ምርካብ ማለት ውን እዩ ።
ንጥዕና ናይ አእምሮ ብዙሓት ነገራት ይጸልውዎ ፡ ናይ አካል ጥዕና፡ ከባቢና፡ ኰነታት ቁጠባና ፡ ናይ ውልቅና ታሪክ፡ እንተኮነ ውን ከበድቲ ኩነታት ከም ተነጽሎ፡ ዓሌትነት፡ ወይ ዘይስሩዕ ሂወት።
ጥዕና ናይ አእምሮ ክልወጥ ከም ዝክእል፡ ንክትከናከኖ ክትሕገዘሉ ትክእል መገዲታት ንክትረክብ አዝዩ አጋዳሲ እዩ ፡፡ እዚ ማለት ደስታ ዝፈጥሩልካ ንጥፈታት ምግባር ወይ ደገፍ ናይ ካልኦት ሰባት ምርካብ።
ካብ ገዛካ ወጺእካ ናብ ካልእ ሓድሽ ሃገር ወይ ሓድሽ ከባቢ ምኻድ : ምንባር : ዓቢ ለውጢታት ንጥዕና ናይ አእምሮ ክጸልዎ ይክእል እዩ ። ሓድሽ ቛንቛ ምምሃር ፡ ምልላይን ንካልእ ባህሊ ምልምማድን ካልእ ልምድታትን እቶም ፈልልያት ዘይጥጡሕ ኩነታት ክፈጥሩልና ይክእሉ። አብ ከምዚ ህሞታት፡ ተነቃፊን ተአፋፊ ኮይንካ ክስምዓካ ንቡር ነገር እዩ። ንአብነት ምስቶም ቀረብትካ ፡ ማሕበረ ሰብካ ወይ ምስቶም ተሓጋገዝቲ ማሕበራት ምዝርራብ ድሕር ክትብል የብልካን፡፡ አብ ገለ ኩነታት ፡ ናይ ሰብ ሞያ ሓገዝ ምሕታት ይከአል እዩ ፡ ልክዕ ከምቲ ነብስካ እንተ ተሃሪምካ ናብ ሓኪም ትከይድ ማለት እዩ ።
ካብ ብርቱዕ ስምባደ ዝመጸ ስምብራት
ዘመልክት ሳዕቤን ናይ አቀንዛዊ ስምዒት አብ ሂወት ምስ ዘጓንፍ ዘስዕቦን ጉድአት[ንአብነት፡ ሓደጋ፡ ሞት፡ጾታዊ ዓመጽ ፡ ሓደጋ ባህርያዊ ተፈጥሮ ዘስዕቦ ወይ ውግእ]። እዞም ኩነታት ዓቅሚ አልቦ ከም ዝኮንና ክስምዓና ይክእል፡ ዝተጋነነ ፍርሂን ራዕድን ምክንያቱ እቲ ሰብ አብ ሓደጋ ስለ ዝአተወ እቲ ኩነታት ውን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ስለ ዝኮነ።
ልክዕ ከምቲ ዘይርኤ ናይ ነፍሲ መጉዳእቲ ምስ ሕሉፍ ሂወት ዝተአሳሰረ እዩ።ካብ ብርቱዕ ስምባደ ዝመጸ ስምብራት ነቲ ዝሓለፍካዮ ነገር ዘይንቡር ከም ዝኮነ ዘርኢ ምልክት እዩ፡ እዚ ጽላለ ዘይኮነ፡ እንታይ ድአ ንቡር ግብረ መልሲ ናይ አካል አብ ዘይንቡር ኩነታት ።
ካብ ብርቱዕ ስምባደ ዝመጸ ስምብራት አብ ጥዕና ጽልዋ አለዎ፡ ከም ወጥሪ፡ ቃንዛታት፡ ናይ ድቃስ ጸገማት፡[ጸገም ምእባይ ድቃስ፡ ምብህራር፡ ለይቲ ብተደጋጋሚ ምትሳእ] ዓቅሊ ጽበት ወይ ቅዛነት[ጭንቀት] [ሕማቅ ሓሳባት፡ሓዘን] ። እቶም ካብ ብርቱዕ ስምባደ ዝመጸ ስምብራት ዘለዎም ሰባት ብዙሕ ግዜ ናብቲ ሕሉፍ ይምለሱ[ መብዛሕትኡ ግዜ አብ ዓይኖም ናይቲ ሕሉፍ ብተደጋጋሚ ከም ስእሊ ቅጅል ይብሎም]፡ ስምዒት ዘይብሎም ይኮኑ[ ከም ዝደንዘዘ ሰብ ወይ ሕውስውስ ይብሎምን] ንከተኩሩ ይጽገሙ። ብቀጻሊ ከምዚ ገለ ከይመጾም ተጠንቂቆም ዝጽበዩ ሰባት ዝኮንዎ ይኾኑ: ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጓነፎም ንከወግድዎ ድሉዋት ይኾኑ ፡ ነቲ መዓልታዊ ሂወቶም አጸጋሚ ይገብሮ።
ካልእ ምልክታት ውን ክንዕዘብ ንክእል ከም ቁጥዔ ፡ ተነጽሎ ፡ መስተ ወይ ሓሽሽ ምውሳድ ፡ ናይ ገበነኛ ስምዒት፡ ድልየት ወይ ተስፋ አልቦነት ወይ ተጠራጣሪ ምዃን።
ካብ ብርቱዕ ስምባደ ዝመጸ ስምብራት ንክሓዊ፡ ሓገዝ ናይ ሰብ ሞያ ክትሓትት አገዳሲ እዩ ። ደገፍ ናይ ካልኦት ውን አገዳሲ እዩ። ሓገዝ ምድላይ ዘሕፍር አይኮነን፡ ምክንያቱ መጕዳእቲ ናይ መንፈስ ከምቲ ናይ አካልካ ትከናኸኖ ከምኡ እዩ ፡ ዋላ ውን ንውሕ ዝበለ ግዜ እንተወሰደ። ጽቡቅ ንክስምዓና ንአእምሮ ጥዕና ምክንኻን አገዳሲ እዩ።
ስክሪናት
ስክሪናትን ኢንተርነትን ናይ መዓልታዊ ክፋል ናይ ሂወትና እዮም :: አብ ኩሉ ዘለዉ ጠቀምቲ መሳርሒ ኮይኖም ንዓበይትን ንአሽቱን የዘናግዑ። ስክሪናት ንክንመሃር ይሕግዙ፡ ሓበሬታ ንምርካብ፡ መዳለዊ ንስራሕን ከምኡ ውን ምስ ቤተ ሰብ ወይ ምስ አዝማድ የራክቡና ። ንመዘናግዕን መሕለፊ ግዜን ይሕግዙና። አብ ኩሉ ስለ ዝርከቡ፡ ካብ ጠርሽካ ከነወግዶም ምፍታን ፡ ሓላፍነት ዘለዎ አጠቃቅማ ክህልወና አገዳሲ እዩ፡፡
ዘሰምብድ ወይ ጎነጽ ዘለዎም ስእልታት ከም ናይ ውግእ ፡ ገበን ወይ ዕንወት ባህርያዊ ተፈጥሮ ክንርኢ ተክእሎ አሎ፡፡ ጽልዋ ናይዞም ትሕዝቶታት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለይ እዩ ፡ ስለዚ ቆልዑ ዝርእይዎ ነገራት ምስ ዕድሚኦም ዝኸይድ ክከውን ምእንቲ ብፍሉይ ጥንቃቀ ክንሕልዎ አለና። ነቶም ዘሰምብድ ስእሊ ዝተቃልዑ ቆልዑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝርአይዎ ምስ ዕድሚኦምን ብስለቶምን ዝከይድ መግለጺ ክወሃቦም አገዳሲ እዩ ። ዋላ ነቶም እኹላት ሰባት ውን፡ እዞም ስእላታት ዘሰምብዱ እዮም ። ምስ ካልኦት እሙናት እኩላት ሰባት ክንዘራረብ አገዳሲ እዩ ፡ እቲ ጽልዋ ብርቱዕ እንተ ኮይኑ ስክሪን ንርእየሉ ግዜ ነጉድል ።
ዝተጋነነ አጠቃቅማ ስክሪን ዕንወት አብ ጥዕና ናይ አእምሮን አለዎ፡ ከም ድካም፡ትሑት ናይ ትምህርቲ ውጽኢት አብ ቆልዑ ንዓበይቲ ምጕዳል ብቅዓት አብ ስራሕ ወይ ተነጽሎ ካብ ማሕበራዊ ሂወት የከትል። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ስክሪናት ካብ ሽግርካ መህደሚ ይኮኑ ወይ ስትረስ መፋኮሲ እዚ ግን ንኣብነት ነቲ ሽግር ዘጋድድ ክኸውን ይኽእል እዩ :: ማሕበራዊ ርክብ ብምድልዳል ብዛዕባ ስትረስካን ጸገማትካ ምስ እሙናት ሰባት ምዝራብ ይምረጽን፡ ስሩዕ አካላዊ ንጥፈታት ምዝውታር ነቲ ስትረስ የጉድሎ። ብዝኮነ ኮይኑ፡ ሓላፍነት ዘለዎ አጠቃቅማ ናይ ስክሪን ክንመሃር አገዳሲ እዩ፡፡
ንግቡእ አጠቃቅማ ስክሪን ምስ ቆልዑ ንክሕግዝ ክምዚ ዝስዕብ ነማክረኩም ፡
- ነቲ አቀዲሙ ዝወጸ ሕግታት ባዕልኩም አብ ተግባር ብምውዓል አብነት ትኮንዎም ።
- እቲ ቆልዓ ዝገብሮን ወይ ነቲ ጎበዝ አብ ኢንተርነት ዝገብሮ ተገዳስነት ምሃብን ምግዳስን ።
- ብዛዕባ እቲ ዝርእይዎ ምዝርራብን ብግሉጽነት ምዝርራብ ምቅጻል ።
- ብዛዕባ ግዜ ናይ ስክሪንን አብ ኢንተርነት ኦን ላይን ክህልዎም ባህሪ ብንጹር ሕጊ ምስራዕ ።
- አብ ክንዲ ስክሪን ንካልእ ዓይነት ጸወታ ክጻወቱ ምዕዳም (ከም ብሓባር ክትጻወት ዘክእለካ ጸወታታት ወይ አብ ደገ ምጽዋት…).
- ናይ ሓደጋ ዘሎ ተክእሎታት ምንጋር ።
- ኢንተርነት ክጥቀሙ ከለው ነቀፌታት ዘለዎ አረአእያ ክማዕብሉ(ምንጪ ካበይ እዩ ክፍትሹ ፡ ሓሶት ሓበሬታ) ።
ንተወሳኪ ሓበሬታታት ፡ መተሓሳሰቢታት ንቆልዑን አጉባዝን አብዚ ይርከቡ። ብተዋሳኺ ንአጠቃቅቅማ ስክሪናት ፍንፍለነት ንንአሽቱ አቆልዑን ፍላየር ነቶም ቆልዑ ዘድልዮምን ብከመይ ስክሪን ንጥቀም ዝምልከትን ።
ነቶም እኩላት ሰባት፡ ሓደገኛ ምዃነ አምር ክህልወና ውን አገዳሲ እዩ ፡ ምዕሩይ አጠቃቅማ አብ መንጎ ስክሪንን ካልኦት ንጥፈታት ክህልወናን ዘሰምብድ ዝርአናዮም ነገራት ምስ ዘጋጥመና ምስቶም ቀረብትና ክንዘራረብን ጽቡቅ እዩ። ተራ ናይቶም ወለዲ ህሉው መርአያ ንደቆም እዮም፡ ግቡእን ምዕሩይን ሓሲብካ ስክሪን ምጥቃምን ከርእዩ ግዴትኦም እዩ ።
ስድራ ቤት – ቆልዓ
ተራ ወላዲ ክትስከም ክብድ ዝበለ ክከውን ይክእል እዩ ፡ ብፍላይ አብ ገለ እዋናት ከም አብ እዋን ጉብዝና ፡አብቲ ርክባትና ወጥሪ ክፍጠር ይክእል። አብዚ ናይ ለውጢ እዋን ንኩላ ስድራ ቤት ይጸልዋን ስትረስ ፡ ተነጽሎ ክስዕብ ይክእል ወይ ተራ ናይ ወላዲ የጣራጥረካ ። ሕቶታት ክትሓትትን ከም ወላዲ ስግአት ክስምዓካ ንቡር ነገር እዩ ፡ እዞም ጸገማት ናብ ሓድሽ ሃገር ምስ እንከይድ ጎሊሖም ይርአዩን ተነጽሎ ከጋጥምን አንፈትካ ክጠፍአካ ይክእል።
ወለድን ቆልዑን ኣብ ሓደ ክርዕሙ ኣይክእሉን ይኾኑ ፣ እዚ ኸኣ ዘናውጽ ክኸውን ይኽእል እዩ :: ፡ ቆልዑ ትምህርቲ ይኸዱ ፡ ቀልጢፎም ምስ ሰባት ይላለዩን ማሕበራዊ ሂወት ይምስርቱን ፡ : እቶም ወለዲ ግን አብ ገለ እዋን በይኖም ይኾኑ : ርእሶም እውን ክኽእሉ አለዎም። እዚ ኩነታት ወጥርን ዘይምርድዳእን ከስዕብ ይክእል።
አብ ከምዚ ሃዋህው ፡ ግቡእ ሕያውነት ዘለዎ ዝርርብ ምስ ደቅኻ ክህሉ ንዝሓሸ ንከተሰንይዎም ይሕግዝ ። ዝርብሽ ሓበሬታት ምስ ዝቃልዑ ፡ ምስአቶም ክትዘራረብን ስምዒቶም ንክገልጹ ምግባር አገዳሲ እዩ ። ርክብ ምስ መበቆላዊ ባህሎም ምቅጻል አገዳሲ ተራ ይጻወት፡ ብፍላይ ነቶም አጉባዝ መንነቶም ንምፍላጥ ዝደልዩ ።
ንጹርን ብተደጋጋሚ ተዘውትሮም ነገራትን ዝቆመ ሕግታት ምስ ዝህሉ ምቹእ ኩነታት ንኩልካ ንክህሉ ተራ አለዎ። ሕግታት ምህላዎም ትርጉሙ ምግላጽን ንዕኡ ከኽብሩን ከተግብሩ ንዝገብርዎ ጻዕርታት ንቆልዑ አፍልጦ ምሃብ ውሑስ ስርዓት ንክህሉ ይሕግዝን ንሕናውን ተዓጻጻፍነት ይሃልወና።
ንመንእሰያት ስምዒቶም ንክገልጹ ምትብባዕን ነቲ ዓወታቶም ምድጋፍ ንርእሰ ተአማንነቶም የደልድሎ ። ብሓባር ግዜ ምሕላፍ ፡ ጽን ኢልካ ምስማዕን ጸገማትካ ምዝርራብ ርክብ ናይ ድስራ ቤት ክመሓየሽ ይክእል። ናይ ዕረፍቲ ግዜን ማሕበራዊ ሂወት ክህልወካን ምዕሩይ አእምሮ ንክህልወካ ምግባር ።
ቆልዓን ጎበዝን አብ ምዕባለኦም ከነሰንዮም ጽቡቕ ንክስምዖም አገዳሲ እዩ ። ደገፍ ከም ዘለዎም ኮይኑ ክስምዖምን በቲ ዝሓልፍዎ ክንሰምዖም አድላይ እዩ። ከም ወላዲ ንቡር ነገር እዩ ንኩሉ አለይ መለይ ክትብሎ አይከአልን ፡ ግዜ ሂብካ ንውላድካ አተኩሮ ምግባር፡ ነቲ ዝመጸ ዓንቃጺ ነገራት ክትገጥሞን ብሓባር ፍታሕ ክትረክብን ትክእል።
ብቀጻሊ ምሕሳብ፡ ምውጣን፡ ምድላው፡ ነቲ ናይ መዓልታዊ ክስራሕ ዘለዎ አቀዲምካ ምእማም ንዓካን ንካልኦት[ ቆልዑ ፡ መጻምድካ ፡ ቤተ ሰብን] ተጽዕኖ ናይ አእምሮ ከከትል ይክእል። ሰከም አእምሮ ናይ ወለዲ ክንብል ይከአል። ስለዚ ናይ ገዛእ ርእስካ ጽቡቅ ክስምዓካ ምግባር አገዳሲ እዩ ። አድላይ አብ ዝኮነሉ እዋን ሓገዝ ምሕታት ክንስከፍ የብልናን ። ነብስካ ምእላይ ፍትወት ነፍሲ ማለት አይኮነን ፡ንካልኦት ንክትርከበሎም የክእለካ ንቤተሰብካ ዘጠቃለለ።
አብዚ ዌብ ሳይት ሓበሬታታት ትረክቡ ።
ስምዒታት
ስምዒታት ሕምብርቲ ናይ ሂወትን ጥዕና ናይ አእምሮን እዮም። እንተኮነ ግን አዝዩ ሒደት ኢና ንዛረብ፡ ብፍላይ ብዛዕባ እቶም አሉታዊ ስምዒታት። ካብ ንኡስ ዕድሜካ ፡ ንዝስምዓካ ደፊርካ ምዝራብ፡ ጽቡቕ ንኽስመዓካ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይገብር እዩ ። ሓደ ሓደ ግዜ ፡ ስምዒትና ከነለሊ ክከብደና ይክእል ስምዒትካ ንክርድአካ ንወለዲ ይኩን ንቆልዑ ክከብድ ይክእል እዩ ፡፡
ሰማዒት እዝኒ ምሃብ ፡ አብ ከቢድ እዋን ሕቶታት ምሕታትን ብሓደ ኮይንካ ምሕሳብ ነቲ ዝስመዓካ ስምዒታት ንምእላይ ኩላትካ ብሓደ ጽቡቅ ክስምዓካ ሓጋዚ እዩ ። ከም ወላዲ መጠን፡ ዝስምዓካ ምግላጽ ንደቅና መርአይ አብነት ንከውን ምዝርራብ ክፉታት ንክኮኑ የተባብዖም ።
ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ወይ ምፍላጥን ንሓደ ባህልን ሃገርን ምልምማድ ዝተፈላለዩ አወንታን አሉታን ስምዒታት የስዕቡ። ብዛዕባ እዞም እትኸሰቱ ለውጥታት ምዝራብ አገዳሲ እዩ ፡ ካብኦም ዝመጹ ስሚዒታትን ንክትገጥሞም ዘክእል መፍትሒታት ውን። ጽቡቅ ዝርርብ ምህላውን ንክትመያየጥ ክፉት ቦታ ምሃብ ነቲ ኩነታት ንክትሰግሮ አድላይ እዩ።
እዞም ዝስዕቡ ሊስታ ቀንዲ ዝስምዑና ስምዒታትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ምግለጺኦምን ፡