ጽቡቅ ንክስምዓኒ እንታይ ክገብር አለኒ ፧
እንሆ 10 መምርሒታት ጽቡቅ ንክስምዓካ ዝሕግዙ ፡
- ምዝራብ : ዝስምዓካ ፡ ጸገማትካ ፡ምስ ስድራካ ዘሕለፍካዮ ሂወት፡ምስ ቤተ ሰብካ ወይ ማሕበረ ሰብካ ነቲ ጸቅጢ ምፍኳስን ሓድሽ አማራጺ ንክህልወካ ወይ ፍታሕ ምርካብ ። ምዝርራብን ብቋንቋ አዴካ ኢሂን ምሂን ምብህሃልን ጽቡቅ ንክስምዓካ ይገብር።
- ምስታፍ/ተወፋይነት : አብ ማሕበረ ሰብካ ፡ አብቲ መአከቢ ናይ ገዛውትካ ፡ ኮርስ ናይ ቋንቋ/ ሳዕስዒት / ደርፊ/ ስፖርት/ ወዘተ… ፡ ዊንታካ ዘገድሱካ ነገራት ስግአታትካ ወይ ተስፋ አብ ልብካ ዝሓዝካዮ ፡ ብፍላይ ፕሮጀክት ናይ ማሕበረ ሰብካ ምክፋል ወዘተ…
- ዘይምግዳፍ/ሓርጎጽጎጽ ናይ ሂወት ምስጋር ፡ ሓርጎጽጎጽ ናይ ሂወት ክትመርሕ ግዜ መፍትሕ እዩ [ ስምባድ፡ ጓሂ፡ ካብ ብርቱዕ ስምባደ ዝመጽእ በሰላ ] ፡ ናብቶም አገደስቲ ንጥፈታት ምትኳርን ንነብስካን ንካልኦትን ግዜ ምሃብ። ንኣብነት ስርዓት አሰራርሓ ናይ ምምሕዳር ቀሊል አይኮነን::
- ንነብስካ ከምታ ዘላታ ምቅባል ፡ አካልካ ምፍላጥን ምልክታት ምፍላጥን ጽቡቅ ንክስምዓካ ውሳነ ምውሳድ፡ ደረትካ ምሕንጻጽ፡ ብርቱዕን ድኹምን ጎንታትካ ምፍላጥን ምቅባልን
- ፈጠራዊ ንጥፈታት ምግባር ፡ ድሌታትካ ፡ ፍርህታትካ ወይ ካልእ ክትገልጾም ዝከብዱ ሓሳባት ንምውጻእ ፡ ካብ ወጥርታትካ ምውጻእ ፡ ምዝንጋዕን ሓይልካ ምሕዳስን ። ደስ ዘብሉካ ንጥፈታት ምግባር ፡ አብ መበቆል ዓድካ ንጥፈታት ትገብር ኔርካ እንተ ኮንካ ፡ ንዓካ ቦታ ክህልወካ ምድህስስን ክትፈጥርን ምግባር ።
- ምዝናይ ፡ ህድአት ይስምዓካን ነፍስካ ፍትሕ ይብልን ንነገራት ምስ ሰባት ምዃን ድማ አጸቢቅካ ተስተማቅሮም : ሓሰብና ውሳኔታትና ንውስን ። ምስ ነብስካ ግዜ ትወስድ ፡ ብዘይ ደቅካን ንጥፈታት ምግባር ካብ ሓላፍነት ናይ ሂወት ተልግስን ሓይልካ ይሕደስን ።
- ሓደሽቲ ነገራት ምምሃር ፡ ካብ መዓልታዊ ሂወትካ ምውጻእ ፡ ርእሰ ተአማንነትካ ይድልድልን ሓሳባትካ ተማዕብል። ቛንቛ ምስ ትክእል ናጽነት አሎካን ርእስካ ትክእልን ከም ናትካ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ትላለን ርክብ ትፈጥርን ። ሓደሽቲ ነገራት ምምሃር የነቃቅሓካን የኽብረካን ምዕባለ ዘምጻእካ ኮይኑ ይስምዓካን ።
- ንጡፍ ምዃን ፡ ሓንጎልካ ምሕዳስ ፡ ወጥሪ ምጉዳል ካብ ዘጨንቅ ስርዓት ሂወት ምውጻእ ። እንተ ወሓደ መዓልታዊ ን30 ደቂቅ ዝከውን ንጥፈታት ወይ 2 ሰዓትን ፈረቋን አብ ሰሙን ምዝውታር ።
- ርክብ ምስ አዕሩኽ መሓዙት ምቅጻል ፡ መዓልታዊ ካብ ገዛኻ ምውጻእ ሓድሽ ርክባት ምምስራት ። ዝርርብ ምስ አዕሩኽትኻ ምህላው ደገፍን ሰማዒት እዝኒ ትረክብን ብሉጽ ሰብ ንክትከውን ይሕግዘካ ፡ ፍታሕ ክትረክብን ክፍተትን ዕድላትን ይህልወካ።
- ሓገዝ ምሕታት ፡ ሓገዝ ዘይብልካ ከይትከውን ምእንቲ ፡ ዓቅምካን ገደብካን ምፍላጥ ጽብቅ እዩ ። ንአብነት አብ ገለ ዘይንጹር መስርሓት ክፍትሑ ምእንቲ ደገፍን ሓገዝ ምሕታት ፡ [ ንአብነት ሓገዝ አብ መንጎ ወለዲን ቀረብትካን] ። ዕንቅፋት ናይ ሂወት ከጋጥም ከሎ ሓገዝ ምሕታት ምልክት ድኽመት ማለት አይኮነን ፡ ምክንያቱ ነዚ ክትገብር አዝዩ ትብዓት ዘድሊ ስለ ዝኮነ ።
ተወሳኪ ፡: ንጹህ መግቢ ምምጋብን ህዱእ ሃዋህው ምህላው ፡ ብዘይ ስክሪንን ብዘይ ስትረስን ። መግቢ ጽቡቅ ኩነታት ንክህሉ ተዋጽኦ አለዎ ።
አገዳስነት ናይ ማሕበረ ሰብ
አብ ገለ መዳያት ናይ ሂወት ከም አብ ሓድሽ ሃገር ክትአቱ ከለካ ወይ ሓድሽ ባህሊ ክትፈልጥ ከለካ ፡ በይንካ ፡ ዝተገለልካን አብ ገለ እዋን አንፈትካ ዘጥፋእካ ኮይኑ ክስምዓካ ከሎ ። ነዞም እዋናት ንክትሰግሮም ፡ እቲ ማሕበረ ሰብ ብሉጽ ደገፍ እዩ ፡ ቋንቋ አዴኻ ክትዛረብ ትክእል ፡ ሓበሬታ ትለዋወጥን ወይ ነቲ መስርሕ ናይ ወረቓቕቲ ዘቕልሉ ምኽርታት ትረክብ ወይ ብሓፈሻ አብ ናይ ምውህሃድ አብ ናይ ማሕበራዊ ሂወት ። ምስ ካልኦት ከም ናትና ተመሳሳሊ ዛንታ ዘለዎም ሰባት ተሞክሮና ክንካፈል ይሕግዘና ። እቶም ናይ ማሕበረ ሰብ መደባት መራከብን መላለይን አጋጣሚታት ደስ ዘብል እዋናት ነሕልፍን ካብቲ ናይ መዓልታዊ ሂወትን ወጥርታት መህደሚ ይኸውን ። ከምኡውን ፡ እቲ ማሕበረ ሰብ ነቶም ዘጋጥሙና ከበድቲ መሰናክላት ሂወት ክንገጥሞምን ጽቡቅ ንክስምዓናን አገዳሲ ሃብቲ ይከውን ።
ይኩን እምበር ፡ እታ ማሕበረ ሰብ እንኮ ደገፍ ክትከውን የብላን ። ነቶም ካልኦት ትነብረሉ ሕብረተ ሰብ ክፉት ክትከውን አገዳሲ እዩ ፡ ሓደሽቲ ሰባት ምልላይን ምዝርራብን ፡ ንአብነት ምስ ጎረባብትካ ። እዚ ምቅርራብ ንተነጽሎ የጉድሎን ጽቡቅ ንክስምዓካ ይሕግዝ ።
ሓጋዚ ማተርያላት ንመዓልታዊ ሂወት
አብዚ አገደስቲ መዳያት ንመዓልታዊ መነባብሮ ዝምልከት ሓበሬታት ዝጠርነፈ እዩ [ ጥዕና ፡ ውሕስነት ፡ ሶሻል ፡ ቤት ትምህርቲን ኮርሳት ፡ ወዘተ…] ።
እዛ ፍላየር ሕመረት ናይ ዝተፈላለየ ገጻት መስርሕ ጥዕና ናይ ስዊዝ ዝሓዘት እያ ።
መተግበሪ Sui SRK፥ ኣብ ጉዳያት መዓልታዊ ህይወት፡ ንርእሰ-ክንክን ዘድሊ ሓገዛት ዘተኮረ ሓበሬታን ደገፍ ምስ ዝህበኩም ክኢላ እትራኸብሉ ናይ ዝርርብ (ቻት) ኣገልግሎትን ዘለዎ ናጻ መተግበሪ
ሓገዛትን ደገፍቲ ማሕበራትን አብ ስዊስ
ብዙሓት ሓገዝቲ ማሕበራት አለዋ ፡
- ካሪታስ ስዊስ
- ቀይሕ መስቀል ስዊስ
- PM+፥ መዓልታዊ ንዘጋጥም ብድሆታትን ስነልቦናዊ ጸቕጥን ብኸመይ ከምዚጋፈጡ ዚምሃርሉ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝተዳለወ ውልቃዊ መደባት።
- ሰንትኽ ሶሻል ፕሮቴስታን (CSP)
- ኦርጋኒዛስዮን ስዊስ ድኤድ ኦ ረፉጅ (OSAR)
ንናይ ሕጊ ዝምልከት ሓገዛት :
- ቤት ጽሕፈት አማከርቲ ናይ ሕጊ (BCJ) አብቲ ትነርሩሉ ካንቶን ዝነጥፉ ፡
- ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝሕግዙን በብደረጃኡ ደገፍ ንመስርሕ ሕቶ ዑቅባ ፡ፕላትፎርም አዚለክስ: Plateforme Asylex
- ንደገፍ ናይ ሕጊ [ ንኩሉ ስደተኛ ዝኮነ ሰብ] : ሰርቪስ ኢንተርናሽናል- ስዊስ (SSI – Suisse)
ሓጹር ናይ ቛንቛ
- ምስ ሕጽረት ቋንቋ ነቶም ማሕበራት ምርካብ ወይ ምድላው ክኸብድ ይኽእል እዩ ። እዘን ማሕበራት [ካሪታስ ፡ ቀይሕ መስቀልን et OSAR ንአብነት ።] ክሕግዛን ብቛንቛ አዴኩም ንክትዛረቡ ተርጎምቲ ከዳልዋ ይክእላ እየን ።
- አገልግሎት ተርጎምቲ ዝህባ አብ መርበብ ሓበሬታ አብዚ ሊስታ ትረክብወን www.inter-pret.ch ተርጎምቲ ቛንቛኩም ዝዛረቡ ። አብ ቆጸራ ናይ ምምሕዳር፡ ሕክምና ወይ ናይ ሕጊ ከሰንይኩም ይክእሉ ።
- አቶም ናይቲ ከባቢ ሕብረተ ሰብ ደገፍ ከቅርቡ ንአብነት ንናይ መስርሕ ምምሕዳር ወይ ምስ ሓካይም ቆጸራ ንክወስዱ ይክእሉ ።
- ንክትዘራረቡ ብነጻ ዝትርጉም አፕሊኬሽን ውን አለው ፡
- Tarjimly – Refugee Translation
- Refugee Phrase Book [አብ መዓልታዊ ሂወት ንጥቀመሎም አገደስቲ ሓሳባት ካብ 50 ቛንቛ ንላዕሊ]
- Refugeye ንፒክቶ ግራም[ ቛንቛ ናይ ጸማማት] ንምትርጓም ምዝርራብን የቃልልን
- አብ ተሌፎንካ ትጽዕኖ ናጻ አፕሊኬሽናት አብቲ ዘለካዮ ካንቶን ዝዝረብ ቛንቛ መምሃሪ አለው ፡ Duolingo, Babbel, MemRise, HelloTalk, ወዘተ…።
ማሕበራትን ብካንቶን ዝተዳለወ
ፍሪቡርግ
- አሶስያስዮን ላ ሬድ ፡ ብናጻ ንጥፈታት ትገብረሉ መራከቢ ቦታ
- አሶስያትዮን ፓርኒ ፡ ምስ ካልኦት ባህሊ ትለዋወጠሉ ፡ ደገፍን ነቶም መንእሰያት ዝወሃሃዱሉ
- አሶስያስዮን ፓአርሰል፡ : ዝተፈላለያ ባህልታት ዝራከባሉ
- ካሪታስ ፍሪቡር ፡ ምክርን ደገፍ ሶሻልን
- ትምህርቲ ፈረንሳን ጀርመንን ስደተኛታት
- ትምህርቲ ናይ ቛንቛ ንስደታኛታታ ዘዳልው አብ ፍሪቡርግ
- CCSI – SOS Racisme ዓሌትነት ፍሪቡርግ : ደገፍ ናይ ሕጊ
- ኦንሶምብል ፡ ሳንተ ሞንታል ዴ ፐርሰን ኢሱ ድላ ሚግራስዮን
- ኤስፓስ ፋም : መራከቢ ቦታ ፡ ምክርን ኮርስ ንደቂ አንስትዮ ካብ ኩሉ ጽፍሒ ሕብረተሰብን ባህልን ዝመጻ
- ሊክኤሾንጅ : ቤት ንባብ አብ ሞንጎ ባህልታት
- ፐርማኖንስ ጅሩዲክ ቤኔቮል ፡ ምክሪ ናይ ሕጊ ብናጻ
ጀነቭ
- አጀንት ድ ሳትተ
- አፓርተናንስ – ጀነቭ ፡ ደገፍን ምውህሃድ ናይ ስድራ ቤት ሰባት ግዳይ ናይ ሓባር ጎነጽ ዝወረዶም
- አዚል LGBTIQ+ : ccompaመሰነይታን ደገፍን ነቶም ስደተኛታት LGBTI ሰባት
- አሶስያስዮን ድ ሜድያትሪስ አንተርኩልቱረል ፡ ምውህሃድ ብሜድያስዮን አንተርኩልትረል
- አሶስያስዮን ኤሊዛ- አዚል : ደገፍን ናይ ሕጊ ምጥባቅ
- አሶስያስዮን ፕሉርየል :ማዕከን ምክሪን መጽናዕትን ኤትኖፕሲኮሎጂ
- ኦሞነሪ ጀነቭዋዝ ኦኩመኒክ ኦፕረ ዴ ሬኬሮን ድአዚል ኤ ረፉጄ
- Bonjour Genève ፥ ኣብ ጀነቫ ምቕማጥን ብዛዕባኣ ኣፍልጦ ምርካብን – ኲሉ ግብራዊ ሓበሬታ
- ካማራድ : ማዕከን መዕቆቢ ፡ መሰልጠኒን ናብ ናይ ሞያ ስራሕ ምእታው ።
- ካሪታስ ጀነቭ : ደገፍ ናይ ሕግን ሶሻልን
- ሰትክ ድ ላ ሮዝረይ : ማዕከን መዕቆቢ ፡ ምዝርራብን ስልጠናን
- ካርፉር ኦርዮንታስዮን ሶሊዳሪተ : ንስድራ ቤታት አብ ማሕበራዊ ሂወት ንክወሃሃዱ ምስናይ
- ቀይሕ – መስቀል ጀነቭዋዝ : አብ ማሕበራዊ ሂወት ንክወሃሃዱ ንጥፈታት ንዓበይቲ
- CSP ጀነቭ : ቀዋሚ ናይ ሕጊ
- ኤኮል ዴ ፓሮን (ፕሮግራም ፐቲ ፓ): መሰነይታን ደገፍን ንወለዲ
- EPER : መዓልታዊ ሂወት ናይቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ስደተኛታት ንምምሕያሽ
- ፐርማነንስ ጁሪዲክ : ምክሪ ናይ ሕጊ ብናጻ
- ረፔክትዋክ ኦን ሊን ዴ ኩክ ድ ፍሮንሰ ኤ ዳ አልፋቤቲዛስዮን
ጁራ
- ማእከል ጨንፈር ምምኽኻርን ኣብ ዓሌትን ኣድልዎን ዜተኮረ ምኽርን
- አሶሲያስዮን ጁራስያን ድ አከይ ዴ ሚግሮን: መዕቆብን ምስናይን ፡መጽለሊን ማሕበራዊ ጉዳይ ይርኤ
- አቨኒክ ፎርማስዮን : ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ንስደተኛታት
- ሰንተር ድ አኒማስዮን ኤ ድ ፎርማስዮን ፑክ ፋም ሚግሮንት : መቀበሊ ቦታ ፡ እትስምዓሉ ፡ መላለዪን መወሃሃዲ
- ካሪታስ ጅራ: ደገፍ ናይ ሕግን ሶሻልን
- ማእከል ኮማዊ ሕክምና AJAM (ማሕበር ምቕባል ስደተኛታት ጁራስያን)
- ሙቭሞ ጁራስየን ድ ሱትያን ኦ ሶን ፓፕየ ኤ ሚግራን
ኒውሻተል
- ቤልኦሪዞን : መላለይ ቦታን መሰልጠኒን
- ካሪታስ ኒውሻተል : ደገፍ ናይ ሕግን ሶሻልን
- ኩክስ ድ ፍሮንሰ ዶን ል ካድክ ዱ ፕሮግራም ድ አንተግራስዮን ካንቶናል
- CSP ኒውሻተል : ቀዋሚ ናይ ሕጊ
- ድኩዋ ድ ሬስተ ኒውሻተል : ምጥባቅ መሰል አብቲ ቦታካ ምንባር
- ላ አማኽ : መቀበሊ ቦታ ናይ ብዙሓት ባህልታትን መላለይን
- ፎርም – አዚል ኒውሻተል : ፕላትፎርም ናይ ሓበሬታ
- RECIF : መዕከን ስልጠና ፡ መላለዪን መዘራረቢ ነተን ስደተኛታትን ስዊሳውያንን ደቀንስትዮ
- ሰርቪስ ድ ላ ኮሄስዮን ሙልቲኩልትረል (COSM)
ቴሳን
- Agence Derman SOS Ticino፥ ጸገማት ምብህሃል ከምኡውን ኣብ ቛንቋ ወይ ባህሊ ንዘሎ ዘይምርድዳእ ኣብ ምፍታሕ ዚሕግዝ ሕብረ-ባህላዊ ኣገልግሎታት ምስትርጓም
- Antenna MayDay፥ ኣብ ማሕበራውን ጥዕናውን ኣገልግሎታት ከምኡውን ኣብ ተበግሶታት ጐስጓስ ጥዕና ዜተኮረ ናጻን ምስጢራውን ምኽሪ
- Aide au retour፥ ብዛዕባ’ቶም ካብ ስዊዘርላንድ ብወለንታኦም ኪወጹ ዝደልዩ ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ መበቆል ሃገሮም ዳግመ-ምጥያስ ንዝገብሩ ሰባትን ዚውሃብ ደገፍ ዚምልከት ሓበሬታ
- ማሕበር “Il Tragitto”፥ ብፍሉይ ኣብ ምጥያስ ኣተኲሮ ዝገበረ ንስድራቤታትን ቆልዑን ዚውሃብ ምሉእ ንጥፈታት ምምሕባር፡ ስልጠናን ደገፍን። እዚ ድማ ኣብ ሉጋኖ (Lugano) ከምኡውን ኣብ ሎካርኖ (Locarno) ምርኲስ ዝገበረ እዩ።
- Casa Astra፥ ኣብ መንድሪስዮ (Mendrisio) ዘሎ ህጹጽ ማእከል መቐበሊ
- Casa Marta፥ ኣብ በሊንዞና (Bellinzona) ዘሎ ህጹጽ ማእከል መቐበሊ
- Centro Calicantus፥ ኣብ ቺኣሶ (Chiasso) ዘሎ ማእከል ምምሕባርን ንሕብረተሰብ ስደተኛታት ዚውሃብ ኣገልግሎት ውከሳን
- ኣብ ቲሲኖ (Ticino) ዚርከብ ማእከላት ምምሕባር፥ ቆልዑን ስድራቤታትን ብሓባር መጺኦም ተሞክሮታቶም ንኼካፍሉ ዘድልዮም ንጥፈታት፡ ጸወታታትን ዕድላትን ዚህብ ማእከላት
- ተራድኦ “Baobab”፥ ቤት ንባብ ሕብረ-ቛንቋውን ሓድሕዳዊ ባህልን ዜርኢ፣ ንቖልዑን ስድራቤታትን ዚኸውን ኣኼባታት ዚውድብ፣ ከምኡውን ካብ 12 ክሳዕ 20 ዓመት ንዝዕድሚኦም ንኣሽቱ መንእሰያት ዚኸውን ናይ ጐደና ማሕበረ-ትምህርታዊ ንጥፈታት ዜዳሉ ኣብ በሊንዞና (Bellinzona) ዚርከብ ማእከል ምምሕባር
- ማእከል መወከሲ OSC (0848 062 062)፥ ኣገልግሎታት ትካል ማሕበረ-ስነኣእምሮ ኣውራጃ ንኺረኽቡ ምግባር፣ ስሉጥ ደገፍ ምርግጋጽ፣ ከምኡውን ብOSC ብዛዕባ ዚውሃብ ስነኣእምሮኣዊ ጥዕና ዚምልከት ሓበሬታ ምሃብ
- ማእከል ምክልኻል ኣድልዎ፥ ነቶም ብሰንኪ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ጾታ ወይ ጾታዊ ኣቓውማ ኣድልዎ ዜጋጥሞም ውልቀሰባት ዚውሃብ ናጻን ምስጢራውን ደገፍን ምኽርን
- ሕጋዊ ኣገልግሎት SOS Ticino፥ ኣብ ጒዳያት ፍቓድ መንበሪ ዜተኮረ ሕጋዊ ምኽርን ውክልናን ምሃብ
- ማሕበራዊ ኣገልግሎት Caritas Ticino፥ ምኽሪ፡ ፋይናንሳዊ ምሕደራ፡ ምሕደራዊ ደገፍ፡ ስነኣእምሮኣዊ ፍወሳ፡ ደገፍ ስድራቤት ከምኡውን ምክልኻልን ኣተሓሕዛን ዕዳ
ቫለ
- ሶንተኽ ስዊስ – ኢሚግረ ቫለ
- ኩኽስ ድ ሎንግ አ ስዮን
- ኩኽስ ድ ሎንግ ፑኽ ሌ ሬኬሮን ዳ አዚል
- ኦዚኦ ቫለ : ነቶም ስደተኛታት ናብ ናይ ሞያ ስራሕ መእተዊ
ቮ
- አፓርተኖንስ : መወሃሃዲ ቦታ
- አሶስያስዮን ፓንሚላኽ : ንሕርሲ ዝምልከት መሰነይታ
- Association Nouvelles Perspectives ፥ ኮርሳት ቛንቋ ፈረንሳን ዜግነትን፡ ዓውዲ-መጽናዕቲ ምጥያስ ከምኡውን ንጥፈታት ምክልኻል ጥዕና
- አስትረ : ነቶም ኩሉ ዓይነት ብዝበዛን ዝኮኑ ግዳያት ደገፍ
- ቢሮ ካንቶናል ፑኽ ላንተግራስዮን ዴ ኤትሮንጄ ኤ ላ ፕረቮንሲዮን ድዩ ራሲዝም ፡ ፕላትፎርም ኤ ብሮሹዩር ዝተፈላላየ አገደስቲ ሓበሬታታት ነቶም ሓደሽቲ ነበርቲ
- ካሪታስ ቮ : ደገፍ ናይ ሕግን ሶሻልን
- ካርነ ድ አድረስ ፐቲት ኦንፎንስ: ሓገዝ ንስደተኛታት ስድራቤታት
- ኮርዲናስዮን አዚል-ሚግራስዮን ሪቭየራ : ደገፍ ንናይ ምምሕዳር መስርሓት
- CSP ቮ : ቀዋሚ ናይ ሕጊ
- EPER : አገልግሎት ሓገዝ ሕጊ ንስደተኛታት ከምኡ ውን መደብ ዕድመን ስደትን
- Français en jeu ፥ ኮርሳት ቛንቋ ፈረንሳ
- መቀበሊ ቦታ ንወለድን – ቆልዑን ካብ0 ክሳብ 5 ዓመት ብናጻ እዩ : መይዞን ቬክትን አሶስያስዮን አርክ-ኤሾንጅ
- ሊስታ ማሕበራት ንስደተኛታት : ሎዛንን ከባቢአን
- ፕላትፎርም-አዚል ቮ: ፕላትፎርም ሓበሬታታት ንምቅባል ሓተትቲ ዑቅባን ስደተኛታት አብ ካንቶን ቮ + ትምህርቲ ቛንቛ ነቅርብ
- SOS አዚል ቮ : ፖሊሲ ሕቶ ዑቕባ : ፖሊሲ ኣብ ጉዳይ ስደት ፡ ሓበሬታ ፡ ሓባራዊ ዕዮን ኣብ ባይታ ንዝዕየ ምድጋፍን ::
ሓፈሻዊ ጠቃሚ ሓበሬታታት
- ቀይሕ መስቀል ስዊስ : መዓልታዊ ሓገዝ
- Migesplus.ch፥ ብዛዕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘሎ ኲነታት ጥዕናን ህይወትን ዚምልከት ግብራዊ ሓበሬታ ብዝተፈላለየ ቑንቋታት ዚህብ መድረኽ ቀይሕ መስቀል ስዊዘርላንድ
- ብሮሹር ሓበሬታ ንስደተኛታትን ነቶም ግዝያዊ መንበሪ ዘለዎም ሰባት
- ሓበሬታ ቪድዮ መዓልታዊ ሂወት አብ ስዊስ ( ምርጫ አብ ታሕቲ ጽሕፈት ዘለዎ)
- ላ ፓጅ ፊድ ምጥርናፍ ትምህርቲ ናይ ዝተፈላለየ ቛንቛታት ወግዓዊ ወረቀት ዘለዎ
ካብ ብርቱዕ ስምባድ ዝመጽእ በሰላ
ስድራቤት
-
- ካልእ መምርሒ ሓገዝ ነቶም ስደተኛታት ወለዲ
- ንወለዲ፡ ፍላየር ጠቃሚ ክከውን ይክእል
- ብሮ ሹር ንወለዲ ቆልዑን አጉባዝን
- ንወለዲ ንኣሽቱ መንእሰያትን ቆልዑ ንኺወልዱ ንዝጽበዩ ዘለዉ ወለድን ዚውሃብ ሓጋዚ ማተርያላት